ጠቐምቲ ሕቶታት

መብሪሂ ኩነት ስያመታት

ናመንግስታዊ በዓል ስልጣናት ኣብ ፍሉይ ኩነታት ዘለዉ ውልቀሰባትን ናይዚ ስርዓት ደረጃታትን ብልክዕ ንምግላፅ ሓደ ሓደ ስያመታት ይህቡ እዮም።

ዕቑብተኛ መን እዩ? ናይ ዕቑብተኛታት ጄኔቫ ስምምዕነት /Geneva Convention/ ከ ታይ ይብል?

ናይ ዕቑብተኛታት ጄኔቫ ስምምዕነት /Geneva Convention on Refugees/ ዕቑብተኛ ታይ ማለት ከምዝኾነ የብራህርህ። ዕቑብተኛ ማለት ብሰንኪ ዓሌት ፣ ሃይማኖት ፣ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኡን ኣካል ጉጅለ ብምዃኑን ምክንያት ካብ ዓዱ ንክስጎግ ዝግደድ ሕብረተሰብ እዩ። ከክንዲ ዕቑብተኛ ዝብል ቃል ስጉግ ወይም ስደተኛ ዝብሉ መፀውዒታት እውን ሉሙዳት እዮም። ሓደ ውልቀሰብ ዕቑብተኛ ክበሃል ዝክእል ብ ናይ ዕቑብተኛታት ጄኔቫ ስምምዕነት መሰረት እቶም መመዘኒታት እንተማልእ ጥራይ እዩ።

ዑቕባ ደላዪ መን እዩ(ein Asylsuchender / eine Asylsuchende)?

ናይ ዑቕባ ሓታቲ (Asylsuchende/r) ማለት ቅድሚ ሐዚ ናይ ዑቕባ መጠየቕታ ኣቕሪቡ ዘይፈልጥ ግን ከመልክት ዝደሊ ውልቀሰብ እዩ።

ናይ ዑቕባ ሓታቲ መን እዩ( ein Asylantragsteller / eine Asylantragstellerin)?

ናይ ዑቕባ ኣመልካቲ ማለት ናይ ዑቕባ መጠየቕታ ኣቕሪቡ ነገር ግን ካብ በዓል ስልጣናት ገና መልሲ ዝይረኸበ ወገን እዩ።

ሓገዝ ዘድልዮ (schutzberechtigt) ወይም ክፀንሕ ዝግበኦ (bleibeberechtigt)መን እዩ?

ሓገዝ ዘድልዮ ወይም ክፀንሕ ዝግበኦ ማለት ዑቕባ ፣ናይ ስደተኛ ን ካለኦት ሓገዛትን ንምርካብ ብቑዕ ዝኾነን በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ጀርመን ንክፀንሕ ፍቓድ ዝረከበ ውልቀሰብ እዩ።

ናይ መዕቖቢ ሓገዝ ንመን እዩ ዝግበኦ (ein Asylberechtigter / eine Asylberechtigte)?

መዕቕቦ ዝግበኦ ማለት ኣብ ዓዱ ብሰንኪ ፖለቲካን ካልኦት ችግራትን ስቅያት ዝበፅሖን ናብ ካልእ ወፃእተኛ ዓዲ ናይ ቕበላን ሓገዝን ሕቶ ኣቕሪቡ ተቐባልነት ዝረኸበን ወገን እዩ። ስለዚ ብ ናይ ዕቑብተኛታት ጄኔቫ ስምምዕነት መሰረት ናይ መዕቕቦ ሓገዝ ይግበኦ።

ናይ ዑቕባን ሓገዝ ዝህባ ሃገራት መን እየን (sichere Drittstaaten)?

ብ ሕጊ ኣገባብ ናይ ዑቕባን ሓገዝ ይህባ ትባሂለን ዝጥቀሳ ሃገራት መሰረት ኣብ ዑቕባን እትህብ ሃገር ውሽጢ ኮይኖም ንጀርመን ዘቕርቡዎ ናይ ዕቑባን ሕቶ ጀርመን ናይ ምንፃግ መሰል ኣለዋ ። እዚ ማለት ነቲ ዑቕብተኛ መጀመርያ ዝተቀበለቶ ዓዲ ናይ መዕቖቢ ሓገዝ ሓላፊንት ትወስድ።

ነኣብነት ሓደ ስደተኛ ኣብ ግሪክ ዓሪፉ ደሓር ናብ ጀርመን እንተኬዱ ናይቲ ስደተኛ ናይ መዕቕቦ ሓገዝ ሓላፊነት እትወስድ ግሪክ እያ።

ናይ ዑቕባን ሓገዝ ይህባ ትባሂለን ካብ ዝጥቀሳ ሃገራት ውሽጢ ናይ ኣውሮፓ ሃገራት ከም ኖርወይ ፣ ሲዊዘርላንድ ብተወሳኺ ድማ ሴኒጋል፣ ማሶዶንያ፣ ሴሪዓ፣ ጋና፣ ባስንያ፣ ኣልባንያ፣ ኮሶቮ፣ ሞንቶኔግሮን ኣርዝጎቪንያ የጠቓልል። ኣልጀርያ ፣ ሞሮኮን ቱኑዝያን ድማ ኣብ መወዳእታ ዓመት 2016 ብፌደራላዊ ቤት ምኽሪ ውጥን መሰረት ናብተን ናይ ዑቕባን ሓገዝ ይህባ ትባሂለን ዝተጠቕሳ ሃገራት ክቀላቀላ መደብ ተታሒዝወን እዩ።

ኣብ ሓደ ሓደ ኩነታት ድማ ን ጀርመን ናይ ዑቕባን መሕተቶ ኣቕሪቦም ንክረኣየሎም ይኽል እዩ።ኣብ ከምዚ ዓይነት ጉዳይ ናይ ሕጊ በዓል ሞያትት ንኸማኽሩ ይምከር።

ናይ መደገፍታ ሓገዝ ታይ ማለት እዩ?

ዑቕባን ክበሃዎ ን ናይ ስደተኛ ሓገዝ ክረክብን ዘይኽእል ግን ኣብ ዕዱ ኢሰብኣዊ ዝኾኑ መቕፃዕትታን   ከበድቲ ስቅያት በፂሕዎ ሓገዝ ዘይረኸበ ናይ መደገፍታ ሓገዝ ክረክብ ይኽእል።

ከመይ ገሮም ደቆምን ስድራኦምን ናብ ጀርመን ከምፀኡ ይኽእሉ?ናይ ስድራቤት ዑቕባ ኸ ታይ ማለት እዩ?

ዑቕባ ወይም ናይ ስደተኛ ሓገዝ እንተረኪቦም ንስድራቤቶም እውን መዕቕቦ ይበሃቦም። እዚ ማለት ናይ ሓዳር ኣጋሮም ን ሓዳር ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ደቆምን ዘዕበይዎም ህፃናትን ብቻ የጠቓልል።በዓልቲ ቤቶም/ቤተን እዚ ሓገዝ ክረክብ/ባ ዝኽእል ቕድሚ ናይ ዑቕባ ማመልከቻ ምቕራበን/ምቕራቦም ኣብ ዓዶም ሓዳር ዝገበሩ እንተኾይኖም ብቻ እዩ።ናይ ስደተኛ ሓገዝ እንተረኺቦም ናይ ስድራቤት ዑቕባ መሕተቶ ክጥይቑ ይኽእሉ እዮም። ናይ መደገፍታ ሓገዝ እንተረኪቦም ቕድሚ 16 ማርች 2018 ናይ ዑቕባ መሕተቶ ከቕርቡ ኣለዎም።ናይ ስድራቤት ዑቕባ ብጣዕሚ ዝተሓላለኸ ስለዝኾነ ናይ ጠበቓ ወይም ናይ ሕጋዊ ኣካል ሓገዝ ምጥያቕ ዝሓሽ መማረፂ እዩ።

ኣብ ጀርመን ድሕሪ ናይ ዑቕባ መመልከቲ ምቕራበይ ቆልዓ ተወሊደኸ ታይ ክገብር ኣለኒ?

ብድሕሪ ናይ ዑቕባ መመልከቲ ምቕራበይ ቆልዓ ተወሊዶም እቲ ህፃን ዑቕባን ንክርክብ ንናይ መንግስታዊ በዓል ስልጣናት ከፍልጡ ኣለዎም ።

ናይ መንበሪ ግዴታታት እንታይ እዮም?

ናይ ዑቕባን ሓተቲ እስካብ ናይ ዑቕባን ሕቶኦም መልሲ እስካብ ዝረክብ ካብ ዝተፈቐደሎም ቦታ ክወፁ ኣይፍቀደሎምን እዩ ካብ ጃንዋሪ 1 2015 ጀሚሩ ናይ ዑቕባን ሓተቲን ንዞም መመዘኒታት ዘማላኡ ውልቀሰባትን ሰለስተ ኣዋርሕ ናይ መንበሪ ግዴታታት ይወሃቦ።እንድሕር ካብቲ ዝተፈቕደሎም ኣካባቢ ወፂኦ ድማ ናይ ክፍያ ቕፅዓትን ናብቲ ቦታ ንኽምለሱን ይግብር ።

ናይ መንብሪ መዕቐቢታት እንታይ እዮም?

ብ ናይ ጀርመን መንግስታዊ ናይ ገንዘብ ን ዕቕባን ውይም ናይ ስደተኛ ሓገዝ ዝተውሃቦም ወገናት ኣብ ዝተፈቕደሎም ቦታ ክነብሩ ይኽእሉ እዮም።

ብዝዕባ ዑቕባ፣ ናይ ስደተኛታት ን መደገፍታ ሓገዛትን ተሞርኪዞም ዝለዓሉ ሕቶታት? ዑቕባ፣ ናይ ስደተኛታት ን መደገፍታ ሓገዛት ማለት እንታይ ማለት እዩ?

ኣብ ጀርመን ብሰለስተ መንገዲ ሓገዝ ክረኽቡ ይኽእሉ

– ዑቕባ (Asyl)

– ናይ ስደተኛታት ሓገዝን(Flüchtlingsschutz) ወይም

– መደገፍታ ሓገዝ (subsidiärer Schutz).

ብምኽኝያት ዓሌት፣ ዜግነት፣ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ፣ ሃይማኖት ን ናይ ውዳበታት ኣካል ብምዃንን ብናይ ዓዱ መንግስቲ ወፅዓ በፂሕዎ ካብ ዓዶም ዝስጎጉ ውግናት ናይ ዑቑባን ሓገዝ ይርክብ።

ብምኽኝያት ዓሌት፣ ዜግነት፣ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ፣ ሃይማኖት ን ናይ ውዳበታት ኣካል ብምዃንን ብዘይመንግስቲ ኣካላት ወፅዓ በፂሕዎ ካብ ዓዶም ዝስጎጉ ውግናት ናይ ስደተኛ ሓገዝ ይርክብ።

 

ዑቑባ ን ናይ ስደተኛ ሓገዝን ዘይረኸበ ግን ብስንኪ ኪናትን ካልኦት ፀገማትን ኣብ ሓደጋ ዘሎ ወገን ናይ መደገፈታ ሓገዝ ክረክብ ይኽእል።

ናይ ዑቕባን መመልከቲ ሕቶይ ውድቒ እንተኾይኑ ታይ ክገብር ይኽእል ?

እንድሕር ናይ ዑቕባን ሕቶኦም ተቐባልነት ዘይረኸበ ብናይ ጀርመን በዓል ስልጣናት ንክለቁ ይንገሩ። ኣብ ሰላሳ መዓልትታት ውሽጢ ወይም ብ ናይ ዕቑብተኛታት ጄኔቫ ስምምዕነት መሰረት ናይ ዑቕባን መመዘኒታት ዘየማልኡI ውልቀሰባት ኣብ ሽውዓተ መዓልትታት ንክለቅቕ ይግደድ።ዘለዎም ናይ ጥርዓን ክሲ ግዜ ገደብ ሓፂር እንኳ እንተኾን ኣብ ፍርድቤት ቐሪቦም ኣብቲ ውሳነ ዘለዎም ቕራነ ናይ ምቕራብ መሰል ኣለዎም። በዚ ምኽንያት ኣቐዲሞም ሽዑ ን ሽዑ ናይ ጠበቓ ወይም ሕጋዊ ሓገዝ ዝህቡ ኣካላት ሓገዝ ንክረኽቡ ይምከር ።

ናይ ተቃዋሚ ወገን ናይ ተቓውሞ ጥርዓን ታይ ማለት እዩ?

ቕድሚ ይግባይ ምባሎም ቅድሚያ ናይ ተቓውሞ ጥርዓን ክቐርብ ኣለዎ።በዓል ስልጣናት ቕድሚ ውሳነ ምሃቦም ብተደጋጋሚ ነቲ ናይ ተቓውሞ ጥርዓን ይርእዩዎ ኣንድሕር ናይ ተቓውሞ ጥርዓኖም ተቐባልነት ዘይረኸበ ኣብ ዝተውሃቦም ናይ ገዜ ገደብ ክሲ ከቕርቡ ይኽእሉ። በዚ ምኽንያት ኣቐዲሞም ሽዑ ን ሽዑ ናይ ጠበቓ ወይም ሕጋዊ ሓገዝ ዝህቡ ኣካላት ሓገዝ ንክረኽቡ ይምከር ።

ሕጋዊ ሓገዝ ታይ ማለት እዩ?

ናይ ፍርድቤት ጉዳያትን ጠበቓ ንሙቑፃርን ገንዝብ ይድሊ እዩ ነገር ግን እዚ ወጪ ክሽፍኑ ዘይኽእሉ ተኾይኖም ናይ ሕጋዊ ሓገዝ ማመልከቻ ብምቕራብ ውፃኢኦም ንኽሽፍነሎም ይሕግዝ። እዚ ሓገዝ ክምርካብ ሲዒቡ ዝተጠቐሰ ና መመልከቲ ፎርም ይምላኡ http://www.justiz.de/formulare/zwi_bund/zp1a.pdf

ናይ ሕጊ ኣማኻሪ፣ ጠበቓኦም ውይም ኣብ ኣከባቢኦም ዝርከብ ፍርዲቤት ናይ መመልክቲ ፎርም ተመሊኡሎም እዞም ኣካላት ልምዲ ዘለዎም ስልዝኾኑ ሕጋዊ ሓገዝ ናይ ምርካብ ዕድሎም ዓብዪ ።

ናይ ዘይርጉፅንት ስሚዒት እንታይ ማለት እዩ?

ክሳብ እቲ ጥርዓኖም መልሲ ዝብሃቦ ብበዓል ስልጣናት ዝግበሩ ኣተኣላልያታት ጠጦው ንከብሉ ናይ ዘይርጉፅነት መመልከታ ክሓቱ ኣለዎም እዚ ማለት ምንም ዓይነት ናይ በዓል ስልጣናት ትእዛዝ ክፍፅሙ ኣይግደዱን።

ናይ ፍርዲቤት ቆፀሮ ታይ ምለት እዩ?

ክሲ ኣብ ዘቕርብሉ ግዜ ናይ ፍርድቤት ቆፀሮ መዓልቲ ይበሃዎም እዩ። ጉዳዮም ተራእዩ ብ ፅሑፍ ውይም ባካል ኣብ ናይ ቆፀሮ መዓልቲ እቲ ፍርዲቤት ውሳነ ይህብ ።

ናይ ዑቕባ ሓገዝ ክረክብ ከምዘይክእልን ናብ ዓደይ ንክምለስን መልእኽቲ በፂሑኒ ነገር ግን ኣብ ከቢድ ናይ ጥዕና ፀገም ኾይን ኣብ ዓደይ ናይ ሕክማና ሓገዝ ክረክብ ኣይክእልን ስለዚ ታይ ክገብር ይኽእል?

ዝትወሰኑ ናብ ዓዶም ንክይስደዱ ዝግብሩ ጉዳያት ኣለው ንኣብንት ኣብ ከቢድ ናይ ጥዕና ችግር ዘለዉ፤ኣብ ዓዶም እኹል ናይ ሕኽማና ሓገዝ ክረኽቡ ዘይኽእሉ እንተኾይኖምን ናብ ዓዶም ተተመሊሶም ነቲ ሕማሞም ዘባባእስ ኩነታት ተሃልዩን ዝኣመሰሉን እዮም። ኣብ ከማዚ ዓይነት ሃለዋት ን ጠበቓ ወይም ሕጋዊ ሕገዝ ዝህቡ ኣካላት ተተማኩሩ ዝበለፀ እዩ።

ኣብ ዓደይ ዘሎ ኹነታት ተተማሓይሹ ናይ ዑቑብተኛንት ብቑዑነተይ ብበዓል ስልጣናት ውድቂ ይገብሮዶ?

እወ! ኣብ ዓዶም ዘሎ ኹነታት ተተማሓይሹ ምምሕዳራት ናይ ዑቕባ መጠቕታኦም ውድቂ ክገብርዎ ይኽእሉ እዮም።ከምኡውን ብናይ ሓሰት መረዳእታትንናይ ዑቕባ ዝረኸቡን ይሓውስ ።

ኣብ ሞንጎ ናይ ውፃእተኛታት ዑቕብተኛታትን ሕጊ ዘሎ ኣፈላላይ ታይ እይ?

ናይ ወፃእተኛታት ሕጊ ስለ ናብ ጀርመን ዝኣትዩን ኣብ ጀርምን ዝንብሩ ና ጀርመን ዜግነት ዘይብሎም ወፃእተኛታት ዝግደስን ናይ መኖርያ፣ ስራ ፍቓድ ዝረኽብሉ ዕድላትን ን ማሕብራዊ ሓገዛትን ።

ናይ ዑቕባ ሕጊ ምስ ናይ ስደተኛታት ደረጃን ናይ መንበሪ ፍቓድን ዝተትሓሓዙ ጉዳያትን ዝቆፃፀ እዩ።

ብዛዕባ ናይ ዑቕባ ከይዲ ሓገዝ ኣበይ ሓበሬታ ክረክብ ይኽእል?

ኣብ ድሕረገፅና “ጠቐምቲ ነጥቢታት” ኣብዝብል ቦታ እኹል ሓበሬታ ዝህቡ ናይ ድሕረገፃት ዝርዝር ይረኽቡ

ናይ ዑቕባን ምልኽታይ መልሲ ንክረክብ ክንደይ ግዜ ይወስደሉ ከይዲ?

ድሕሪ ናይ ዑቕባን ሕቶ ምቕራቦም ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ካብ ዝምልከቶ ኣካል መልሲ ይበሃቦም።ኮይኑ ግን ኣብዚ ሐዚ እዋን ናይ ጠየቕቲ ቑፅሪ ስለዝበርከተ ካብ ሹዱሽተ ክሳብ ዓመት ይወስድ እዩ።

ናይ ዑቑባ ምልኽታይ መልሲ ነዊሕ ግዜ እንተወሲዱ ታይ ክገብር?

ዝምልከቶም ናይ ዞባ ምምሕዳር እኹል ዝኾነ ናይ ሰራሕተኛ ብዝሒ እንተዝይብሎም መልሲ እስካብ ዝወሃቦም ዝተወሰነ ግዜ ከደንጉይዎ ይክእሉ። ክሲ ናይ ምቕራብ ኣጋጣሚ ዕድል እውን ክረኽቡ ይኽእሉ።

ናይ ኣመራርሓ በዓል ስልጣናት ኣብ እዋኑ መልሲ ብዘይምሃቦም ምኽንያት ዝግበር ናይ ጥርዓን ክሲ ከምይ ይፍጸም?

ናይ ኣመራርሓ በዓል ስልጣናት ካብ ሰለስተ ኣዋርሕ ንላዕሊ ግዜ ን ናይ ዑቕባ ሕቶኦም መልሲ ተዘይሂቦም ክሲ ከቕርቡ ይኽእሉ እዮም። ክሶም ና ዝምልከቶ ፍርድቤት ከቕርቡ ይግባእ። ክሶም ተቐባልነት እንተረኺቡ ወይም እንተሲዒሩ እዞም ዝምልከቶም ምምሕዳራት ወድያው መልሲ ንክህብዎም ይግደዱ።

à ንዝበለፀ መግለፂ “ምስ ናይ ዑቕባን መመልከቲ ሕቶይ ካብ ምምሕዳር በዓል ስልጣናት መልሲ ምዱንጋይ ዝተታሓሓዙ ሕቶታት“ዝብል ርእሲ ይመልከቱ

ናይ ተቃውሞ ስሮኣት እንታይ ማለት እዩ?

ናይ ቕሬትኦም ትራእዩ ኣሉታዊ ዝኾነ መልሲ ተተዋሂብዎም ናይ ምኽሳስ መሰሎም ሕሉይ እዩ።

ተቃውሞታት ከመይ ይእለዩ?

ድሕሪ ናይ ፅሑፍ ተቃውሞ ምቕራቦም፤እቲ ምምሕዳር ከም ዝበፀሖ የፍልጦም እዩ። እቲ ምምሕዳር ሓሳቡ ተዘይቐይሩ ተቃውሞኦም ብ ኻልእ ምምሕዳር ንክረአየሎም ይግበር።እቲ ምምሕዳር ሓቢሮም ንምንግጋር ክእንግዶም ይኽእል ብ ኣካል ናይ ምርካብ ግዴታ እንኳ ተዘይሃለዮ ነገርግን ጉዳዮም ብዝርዝር ንምርዳእ ዝበለፀ መማረፂ እዩ።

እዞም ምምሕዳር ውሳነ ምስ ሃቡ ወድያም ሰለ እቲ ውሳንኦምን ምኽንያትን የፍልጡዎም እዮም።ኣብቲ ውሳነ ቕሬታ ዘለዎም ክሲ ከቕርቡ ይኽእሉ።

ናይ መልሲ ዘይምርኻብ ክሲ ጥርዓን ምቕራብ ወጻኢታት?

ብምኽንያት ኣወንታዊ ዝኾነ ናይ ምምሕዳር መልሲ ጉዳዮም ብድጋሚ ንክረኣየሎም ናይ ጥርዓን ተቓውሞ ንምቕራብ ወጻኢ ይሓትት እዩ።ናይ ወጻኢታት መጠን ብ መሰረት ተቓውሞኦም ዘቕረቡሉ ፌደሬሽንን ንክረኣየሎም ዝወስዶ ግዜን ይውሰን።ክሶም ተተሳዒሩ ባዕሎም ኩሉ ወጻኢ ይሽፍኑ ተሲዒሮም ድማ ካብ ምንም ዓይነት ወጻኢ ነፃ ይወፁ።

ናይ ዑቕባን ማመልክቻ መልሲ ንክወያቦ ክንደይ ግዜ ይወስድ?

ካብ ዘመልከትሉ ግዘ ጀሚሩ ድሕሪ ሰለስተ ውርሂ እቲ ምምሕዳር ን ናይ ዑቕባን ሕቶኦም መልሲ ይህቡ።

እንድሕር ዘቕረብኩዎ ናይ ዑቕባን ሕቶ መልሲ እንተ ዶንጊዩ እንታይ ክገብር ኣለኒ?

ዝምልከቶም ናይ ዞባ ምምሕዳር እኹል ዝኾነ ናይ ሰራሕተኛ ብዝሒ እንተዝይብሎም መልሲ እስካብ ዝወሃቦም ዝተወሰነ ግዜ ከደንጉይዎ ይክእሉ። ክሲ ናይ ምቕራብ ኣጋጣሚ ዕድል እውን ክረኽቡ ይኽእሉ።

ናይ ኣመራርሓ በዓል ስልጣናት ኣብ እዋኑ መልሲ ብዘይምሃቦም ምኽንያት ዝግበር ናይ ጥርዓን ክሲ ከምይ ይፍጸም?

ናይ ኣመራርሓ በዓል ስልጣናት ካብ ሰለስተ ኣዋርሕ ንላዕሊ ግዜ ን ናይ ዑቕባ ሕቶኦም መልሲ ተዘይሂቦም ክሲ ከቕርቡ ይኽእሉ እዮም። ክሶም ና ዝምልከቶ ፍርድቤት ከቕርቡ ይግባእ። ክሶም ተቐባልነት እንተረኺቡ ወይም እንተሲዒሩ እዞም ዝምልከቶም ምምሕዳራት ወድያው መልሲ ንክህብዎም ይግደዱ።

ናይ መልሲ ዘይምርኻብ ክሲ ጥርዓን ምቕራብ ወጻኢታት?

ከከም እቲ ኩነታት ይውሰን ንኣብነት እንድሕር ክሶም ሲዒሩ እቲ ምምሕዳር ባዕሉ ወጻኢኦም ይሽፍኖ ከምኡን ብኣንጻሩ ተተሳዒሮም ወጻኢኦ ባዕሎም ይሽፍኑ።በዚ ምኽንያት ድማ ኣቐዲሞም ናይ ሕጋዊ ሓገዝ ግልጋሎት ንምርካብ ክምዝገቡ ይምከር።ናይ ሕጋዊ ሓገዝ ተተዋሂብዎም ምንም ዓይነት ወጻኢ ኣይግብሩን ዋላ እውን ተተሳዒሮምውን።

ናይ መልሲ ዘይምርኻብ ክሲ ጥርዓን ምቕራብ ሳዕቤናት ታይ እዮም?

እቲ ፍርድቤት እዚ ፀገም ተገንዚቡ ካብ ዝምልከቶም ናይ ምምሕዳር በዓል ሰልጣናት ቕልጡፍ መልሲ ንክረኽቡ ይሕግዝ ኮይኑግን ዑቕባን ይበሃዎም እዩ ማለት ኣይኾነይ። እቲ ምምሕዳር ወሲኑ ነገር ግን ዑቕባ ተዘይተቕቢሉ ብቻ ክኸሱ ይኽእሉ።

ብ ዘይዕባ መልሲ ዘምውሃ ናይ ጥርዓን ክሰይ ከመይለየ ከቕርብ ይኽእል?

ኣንጻር ምምሕዳር ኣብ ዝግብርዎ ክሲ ናይ ጠበቓ ምኽሪ ተመራፂ እዩ ምኽንያቱም ዘለዎም ሕቶታን ክምልሱሎም ብዙሕ ልምዲ ዘዳበሩን ስለዝኾኑ።