ApploadForHelp/ናይ ሓገዝ ሕቶ ምቕራብ

 

ብጀርመንኛ ዝተፅሓፈ ደብደቤ ንኣብነት ካብ መንግስታዊ ምምሕዳር እንተበፂሕዎም ነገር ግን እቲ ቋንቋ እንዲሕር ዘይተረዶኦም ወይም ታይ ክገብሩ ከምዘለዎም ንዘይፈልጡ ብ  ApploadForHelp ኣቢልና ሓገዝ ንህብ

 

ናይዚ ኣፕ ኣጠቓቕማ?

  1. ApploadForHelp ዝህል ኣፕ (app) ኣብ ሲልኮም ይፅዓኑ.
  2. ሕቶኦም በዚ ኣፕ ኣቢሎም የቕርቡ
  3. መልሲ ዝወሃበሎም ቋንቋ ካብ ኢንግሊዝኛ ወይም ብጀርመኛ ይምረፁ
  4. ናይቲ ዝቕረቡዎ ሕቶ መልሲ ይወሃቦም

badge_new

ታይ ዓይነት ምላሽ እየ ክረክብ?

ኣብ ናይ ጽሑፍ ደብዳቤኦም ግዜ ወሲድና ብምርኣይ ኣብ 48 ሰዓታት ብ ኢንግሊዝኛ ወይም ብ ጀርመንኛ መልሲ፣ቐፃሊ ክገብርዎ ዝግበኦም ን ካበይ ሓገዝ ኽረኽቡ ከምዝኽእሉን ነፍልጦም።

ሕጋዊ ሓገዝ ዘኮነ ነገር ግን ምስ ናይ ደብዳቤኦም ዝተትሓዘ ኣንፈት መትሓዚ ዝኾን ሓገዝ ንህብ

 

ንመልሶም ምላሽ ክንህብ ኣይንኽእልን፤ንምንታይ?

ብዝተኽኣለና መጠን  ኩሉ ሓታቲ ናይ ግልጋሎትና ተጠቃሚን ኣብ ግዜ ምላሽ ንክረክብ ንፅዕር ኢና ።በቢ መዓልቲ ብቁፅሪ ብዙሓት ዝኾኑ ሕቶታት ስለ ነስተኣናግድ ብበዝሒ ፅዕንቶ ስራሕ ምኽንያት ንመልሶም ምላሽ ክንህብ ኣይንኽእልን።

ነገር ግን እንህቦ መልሲ ብደምቢ ግልፂ ብዝኾነ መልክዕ ናይ ሓታቲ ሕቶታት ብግልፂ ዘብራህርህን ዝበለፀ ሓገዝ ከመይ ከምዝረክብን ዝሕብር።ምስ እዚ ኣፕ ዝተትሓሓዘ ሓገዝቲ ዝብልዎም ሓሳባት ወይም ሃነፅቲ ርኢቶታት እንተሃልይዎም በዚ ዝስዕብ ኢሜል ኣድራሻ ኣቢሎም ይፅሓፉልና apploadforhelp@allesrechtens.de

 

 

Haftungssausschluss – Datenschutzerklärung