ብዝዕባ ዑቕባ፣ ናይ ስደተኛታት ን መደገፍታ ሓገዛትን ተሞርኪዞም ዝለዓሉ ሕቶታት? ዑቕባ፣ ናይ ስደተኛታት ን መደገፍታ ሓገዛት ማለት እንታይ ማለት እዩ?
ኣብ ጀርመን ብሰለስተ መንገዲ ሓገዝ ክረኽቡ ይኽእሉ
– ዑቕባ (Asyl)
– ናይ ስደተኛታት ሓገዝን(Flüchtlingsschutz) ወይም
– መደገፍታ ሓገዝ (subsidiärer Schutz).
ብምኽኝያት ዓሌት፣ ዜግነት፣ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ፣ ሃይማኖት ን ናይ ውዳበታት ኣካል ብምዃንን ብናይ ዓዱ መንግስቲ ወፅዓ በፂሕዎ ካብ ዓዶም ዝስጎጉ ውግናት ናይ ዑቑባን ሓገዝ ይርክብ።
ብምኽኝያት ዓሌት፣ ዜግነት፣ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ፣ ሃይማኖት ን ናይ ውዳበታት ኣካል ብምዃንን ብዘይመንግስቲ ኣካላት ወፅዓ በፂሕዎ ካብ ዓዶም ዝስጎጉ ውግናት ናይ ስደተኛ ሓገዝ ይርክብ።
ዑቑባ ን ናይ ስደተኛ ሓገዝን ዘይረኸበ ግን ብስንኪ ኪናትን ካልኦት ፀገማትን ኣብ ሓደጋ ዘሎ ወገን ናይ መደገፈታ ሓገዝ ክረክብ ይኽእል።